እዛ ህብብትን ምስ ግዜ ጣዕማ ዘይትቕይር ጽውጽዋይ ብዛዕባ ቅድድም ኣብ መንጎ እታ ቅልጥፍትን ምክሕትን ማንቲለን ከምኡውን እቲ ጎሳስ ኣባ-ጎብየን እተተርኽ ኢያ። ውጽኢቱ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለን ሓቀይ ዶ? ግን እቲ ኣባ ጎብየ ውጽኢት ክቕይር ዝኽእል ሕቡእ ምስጢር እንተሃለዎ ኸ? ነዚን ካልእን ንምፍላጥ ነዛ ብግዜ ዘይትድረት ብዙሕ ሕልኽልኻትን መስተንክራትን ሓዘል ጽውጽዋይ ንምንባብ ተቐረቡ። መን ይፈልጥ ኣብ ዓወትን ጻዕርን ዘለኩም ኣጠማምታ ክትቅይሩ ትሕግዘኩም ትኸውን። ብዝተፈላለዩ ሕብራዊ ስእልታት ወቂባን ተቐናቢራን ንኸተንብቦ ብዝምችእ ዘበናዊ ኣጸሓሕፋ ተዳልያ ኣላ። ኣተራርኽኣ ይኹን ብድሕሪት ዘለዉ ዕዮታትን መላመዲታትን ብጥበብ ተዳልዮም ንደቅና ናይ ፈጠራ፣ ስምዒታት ከምኡ ውን ናይ ምስትንታን ዓቕሞም ከተማዕብል ተባሂላ ተዳልያ ኣላ እሞ ገዚእኩም ኣንብብዋ፣ ወንንዋ። ሰናይ ንባብ! A confident, speedy hare races a slow-moving tortoise—sounds predictable, right? But what if the tortoise has a trick up his shell? Get ready for a tale full of unexpected twists, where the outcome is anything but certain, and a surprising lesson might just change how you see winning. Packed with colorful illustrations and a fun, easy-to-read style, The Hare & the Tortoise is a timeless story with a modern message—perfect for bedtime reading, classroom sharing, or character education at home.